Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ዘህነፆ ዋና ቤት ፅሕፈት ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ዘህነፆ ዋና ቤት ፅሕፈት በዓል 9 ደብሪ ህንፃ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ፣ ምክትል ፕሬዚዳንታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ፓርቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ንህንፀት እቲ ህንፃ 895 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ውሽጡ ድማ መዘናግዒን መእከቢ ኣዳራሽን ዝሓዘ እንትኸውን፥ ልዕሊ 3 ሺሕ ሰራሕተኛታት ኣብ ህንፀቱ ተሳቲፎም፡፡

እቲ ህንፃ ኣብ 4 ሺሕን 700 ካሬ መሬት ዝዓረፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ፅቡቕ ህንፃ ምህናፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ፅቕ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

ውቁብ ህንፃ ሃኒፅካ ውቅብቲ ሃገርን ፅቕ ኣተሓሳስባን ምፍጣር ቀፃሊ ስራሕ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ብግደኦም፥ ካብ ኣባላቱን ደገፍቱን ብዝተረኸበ ሓገዘ ዝተሃነፀ ከምዝኾ ኣብሪሆም።

ብይስማው ኣደራው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.