Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንዞባዊ ምዕባለ ተስፋ ዝተሓንገጠ ኢዩ – ኣፍሪካ ናሽናል ኮንግረስ ፓርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንዞባዊ ምዕባለ ተስፋ ዝተሓንገጠ ከምዝኾነ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣፍሪካ ናሽናል ኮንግረስ ፓርቲ ፕሮፌሰር ኢክባል ጃዝብሃይ ተዛሪቦም።

እቶም ፕሮፌሰር ኣብ መኽፈቲ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንጀኽፍጠር ዝገበሩዎ ፃዕሪን ዘመዝገቡዎ ውፅኢት ሰላምን ንኢዶም፡፡

ካብ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ 50 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ተሳትፎን ናይ ምውሳን ስልጣንን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ብቖራፅነት እናሰርሑ ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዝዓበየ ፕሮጀክት ኣፍሪካ ዝኾነ ግድብ ኣባይ ሓይሊ ምፍልፋል ምጅማሩ ድማ እታ ሃገር ኣብ ጎደና ዕቤት ከምዝኾነት ዘመላኽት ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ የኣክል ወይ ድማ No More ኣብ 27 ከተማታት ዓለም ተቐባልነት ብምርካቡ፤ ኣፍሪካውያን ኢምፔሪያሊስቶች ብዘብፅሑዎ ፅዕንቶ እናተቓወሙ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ፓርቶም ኣፍሪካ ናሽናል ኮንግረስ ምስ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብምትሕብባር ክሰርሕ ኢዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢክባል ጃዝብሃይ፥ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ንከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ኢሉ እውን ንኣፍሪካ ተስፋ ዘስንቕ ከምዝኾ ኣብሪሆም።

ብሚኪያስ ኣየለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.