Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልጽግና ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልጽግና ሎሚ መዓልቲ ቀትሪ ሰዓት 8 ክጅመር ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝጅምር ጉባኤ እቲ ፓርቲ፥ ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፁ ውሳነታት ከምዝመሓላለፉ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።

ነቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ሓላፊ ዘፈር ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን እቲ ፓርቲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅና ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብኩሎም ዓውዲታት ዝተጎናፀፎም ዓወታት ከምዝግምግም ተዛሪቦም።

እቲ ፓርቲ ዘጋጠሙዎ ፀገማትን ማሕለኻታትን ብዕምቆት ገምጊሙ ታሪኻዊ ውሳነ ከምዘሕልፍ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ኩነታት ፀፅታ፣ ኢኮኖሚን ህንፀት ሃገረ መንግስቲን ሰፊሕ ትኁት ሂቡ ከምዝዝቲ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ብምዃኑ እውን ኩለመዳይ ምዕባለ ዜጋታት ዘምፅኡ ውሳነታት ከምዝመሓላለፉ ኢዮም ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ጉባኤ 1 ሺሕን 600 ኣባላት እቲ ፓርቲ ብድምፂ ዝሳተፉ አነትኾኑ፥ 400 ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ካብ ወፃኢ ዓዲን ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ብዘይ ድምፂ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ኣማራርሓ፣ ኣባላትን ደገፍቲን እቲ ፓርቲ ሓድነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝሕዝሉ፣ እቲ ፓርቲ ብኣወዳድባን ኣሰራርሓን ንገዛእ ርእሱ ዘጠናኽረሉ ከምኡውን እቲ ፓርቲ ዘሻግሩን ኩሉ መዳይ መዕባለ ኢትዮጵያ ከረጋግፁ ዝኽእሉን ጠንካራ ኣመራርሓ ፓርቲ ዝምረፅሉን ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.