Fana: At a Speed of Life!

ፍሪያት ባኒ ሸገር ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ምቕራብ ከምዝጅምር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት 30፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሪያት ባኒ ሸገር ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ምቕራብ ከምዝጅምር ከነቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ፥ ብወሰኽ ዋጋን ናይሪ ዕዳጋን ዘሎ ፅዕንቶ ንምቕናስ ንምግብነት ኣብ ዝውዕሉ ነገራት ትኹረት ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብፍላይ ብድጎማ መነግስቲ ኣብ ዝውዛዕ ዘሎ ዘይቲ ብልዕን ባኒን ዝተፈለተ ትኹረት ብምሃብ ክንሰርሕ ኢና ኢለን።

ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተኸዚኑ ዝተትሓዘ ዘይቲ ብልዒ ሓዊሱ በዝተፈላለዩ ኣቕረብቲ ንክቐርብ ብምግባር ንጊዝኡ 2 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ይከፋፈል ከምዘሎ ድማ ተዛሪበን።

ስለዠኮነ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነናብ ከባቢኦም ዘሎ ሹቓት ሸመትቲ ብምኻድ እቶም ፍሪያታት ንክወስዱ ብምትሕስሳብ መልእኽተን ኣብ ማሕባሪ ሚዲያ ኣመሓላሊፈን።

ፍሪያት ባኒ ሸገር ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ምቕራብ ከምዝጅምር እውን ሓቢረን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.