Fana: At a Speed of Life!

ሊባኖስ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝፀንሐ ርክብ ክብ ኣቢላ ከምእትርእዮ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊባኖስ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝፀንሐ ርክብ ክብ ኣቢላ ከምእትርእዮ ገሊፃ።

ቆንስላ ጄነራልኢትዮጵያ ኣይተ ተመስገን ዑመር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ናጂብ አዝሚ ሚካቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ቀጣናዊን ክልቲኣዊ ርክብን ብምድሃብ  ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣይተ ተመስገን መብርሂ ሂቦም።

ንሰላም ዝተገበሩ ምንቅስቓሳትን ኩለ መዳይ ዘተን፣ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ከምኡውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ናጂብ አዝሚ ሚካቲ በግደኦም፥ ሊባኖስ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝፀንሐ ርክብ ክብ ኣቢላ ከምእትርእዮ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.