Fana: At a Speed of Life!

መበል ሳልሳይ ደርድር ሰላም ሩሲያ-ዩክሬን ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘየምፀአ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሳልሳይ ደርድር ሰላም ሩሲያ-ዩክሬን ጭቡጥ ውፅኢት ከየምፀአ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ሩሲያ ቭላድሚር ሜዲንስኪ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ዝተኻየደ እቲ ዘተ ዝረብሕ ለውጢ ከየምፀአ ተዛዚሙ።

ይኹን እንበር ኣብ ቀፃሊ መድረኽ ዝሓሸ ነገር ትፅቢት ከምዝገብሩ ተዛሪቦም።

ተደራደርቲ ሩሲያ ብዙሓት መደራደርቲ ሰነዳት በምሓዝ ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ እነትኾኑ፥ ብወገን ዩክሬን እቲ ሰነድ ከምብሓዱሽ ከንርእዮ ኢና ብምባሎም ኣብ ስምምዕነት ከምዘይበፅሑ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ዝተኻየደ መበል ሳልሳይ ደርድር ሰላም ሩሲያ-ዩክሬን ጭቡጥ ውፅኢት ከየምፀአ ምዝዛሙ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.