Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ንሩሲያ ሓዊሱ ምስ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ዝህልዋ ምትሕብባር ዝኾነ ይኹን ማዕቐብ ፅዕንቶ ከምዘይፈጥረላ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝንበር ዝኾነ ይኹን ማዕቐብ ንሩሲያ ሓዊሱ ምስ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ዝህልዋ ምትሕብባር ፅዕንቶ ከምዘይፈጥረላ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሆሴን ኣሚር ኣብዱላሂን ተዛሪቦም።

እቶ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ቅልውላው ዩክሬንን ፀረ ኢራን ማዕቐባትን ንምኽባስ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኣብ ቲ ዘተ፥ እቶም ሚኒስተር ዝንበሩ ማዕቐባት ንምትራፍ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

ኣብ ቪየና ኣብ ዝግበር ዘሎ ድርድር ዝብፃሕ ስምምዕነት ቴህራን ናይ ቀረባ መሻርኽታ ሓዊሱ መስ ካልኦት ሃገራት ዝህልዋ መትሕብባር መሰረት ከምዘንብር እውን ገሊፆም።

ኲናትን ማዕቀባትን ነውግዝ ኢና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ዝንበር ማዕቐብ ሃገሮም ንሩሲያ ሓዊሱ ምስ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ዝህልዋ ምትሕብባር ፅዕንቶ ከምዘይፈጥረላ ገሊፆም ክብል ፕሬስ ቲቪ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.