Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ድሬዳዋ ልዕል 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስድራ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ድሬዳዋ ልዕል 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስድራ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ከምዝረኸቡ ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ ቅርንጫፍ ድሬዳዋ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ደረጄ ኣበበ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ምስ ኣተኣኻኽባ መዋጮ ኣባልነት ተዛሚዱ ለዕሊ 199 ሚሊየን ብር በምእካብ ናብ ባንኪ ኣታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ምብራቕ ሐረርጌ፣ ሐረርን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣገልግሎቱ ይህብ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ብባዕልቶም ከፊሎም ምሕካም ንዘይኽእሉ ስድራ ብሓፈሻ ክፍሊት ልዕሊ 42 ሚሊየን ሰባት ንጣቢያተት ጥዕናን ሆስፒታላትን ከፊሉ ከምዝዛዘመ እወን ገሊፆም።

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.