Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ሓደሓደ ፖለቲከኛታት እንግሊዝ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ታይዋን “ብሓዊ ካብ ምፅዋት” ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ሓደሓደ ፖለቲከኛታት እንግሊዝ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ታይዋን “ብሓዊ ካብ ምፅዋት”ን ካብ ፀረ ቻይና ሽርሖምን ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 3 መጋቢት “ዴሞክራሲ ታይዋን ንሓግዝ” ዝብል መድረኽ ክትዕ ተሰናዲኡ ነይሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ድማ ታይዋን “ርሑቕ ምብራቓዊት ዩክሬን” ኢሎም ብምፍራጆም ንቻይና ከምዘቖጠዐ ሲ ጂ ቲ ኤን ኣመልኪቱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ክትዕ ኣሰጎምቲ ፀረ ቻይና ዩናይትድ ኪንግደም ንታይዋን ሓገዝን ከለላን ከምዝሃቡን መንግስቲ ዩናይትድ ኪንግደም እውን ከምዝደገፎን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዩናይትድ ዝርከብ ኣቐባሊ ቃል ቻይና፥ ሕቶ ታይዋን ምስ ጉዳይ ዩክሬን ምውድዳር ፈፂሙ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ቻይና ከመዚ ዝበሉ ዘነውሩ ኣካይዳታት ኣጥቢቓ ከምትኹንንን ኣፍሊጦም፡፡

“ፖለቲከኛታት ዩናትድ ኪንግደም ታሪኽናን እዋናዊ ኩነታት ቻይናን ኣይፈልጡዎን፤ ሓድነት ህዝብና እውን እንተይተረድኡ ንዒቖምና” ክብሉ ገሊፆም እቶም ኣቐባሊ ቃል።

እቶም ኣቐባሊ ቃል÷ ቻይና ሓንቲ ሃገር ከምዝኾነት፣ ታይዋን እውን ካብ ቻይና ተነፂላ ዘይትረአ ክፍሊ ኣካል ቻይና ከምዝኾነት ማሕበረሰብ ዓለም ክግንዘብ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ቻይና ምስ ዩናይትድ ኪንግደም ሓዊሱ ምስካልኦት ሃገራት ዓለም ፅቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንኽህልዋ ከምትሰርሕ እውን ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.