Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘህነፆም ፕሮጀክታት መገዲ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መላእ እታ ከተማ ዘህነፆም ፕሮጀክታት መገዲ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብሓፈሻ እቶም ፕሮጀክታት ምምራሕ ዘመረቐኦም እንትኾና፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ቡዜና ኣልቃድር፣ ምክትል ከንቲባ ኣይ ጃንጥራር ኣባይን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማን ከምዝተረኸቡ ካብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

በቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ዝተመረቑ ፕሮጀክታት መገዲ፥ ፕሮጀክት መገዲ ቁስቋም – እንጦጦ፣ ፕሮጀክት መገዲ ሽሮ ሜዳ – ቁስቋም፣ መቖሚ መኪና እንጦጦ 1ን 2ን፣ ፕሮጀክት መገዲ ወሎ ሰፈር ኡራዔል፣ ፕሮጀክት መገዲ ለገሃር-ዋሽግተን ዲሲ ኣደባበይ፣ ፕሮጀክት መገዲ ገርጂ ሮባ – መብራት ሃይል፣ ፕሮጀክት መገዲ ወይራ – ቤተል፣ ፕሮጀክት መገዲ ራስ ደስታ -ቀጨኔ፣ ሃጫሉ ሁንዴሳ ጎደና፣ ተሳጋሪ ድልድል ሲ ኤም ሲ ሚካኤል፣ ህንፃ ቤት ትምህርቲ እንጦጦ ኣምባ፣ ናይ እግረኛ መንገዲታትን ናይ መንገዲ መብራህቲን ኢዮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.