Fana: At a Speed of Life!

ወደብን ተርሚናልን ኮምቦልቻ ናብ ዝነበሮ ቅዋም ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስሩዕ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመረ ወደብን ተርሚናልን ኮምቦልቻ ናብ ዝነበሮ ቅዋም ንምምላስ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣይተ ሮባ መገርሳ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ወደብ ብዝነበረ ኲናት ዕንወት ምስበፅሖ ከምብሓዱሽ ንምጅማር እቲ ትካል ብዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጉምቲ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ ኢዩ፡፡

ኣብ ወደብን ተርሚናልን ኮምቦልቻ ካብ 12 ጥሪ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ትእዛዝ ዓማዊል ምቕባል ከምዝጀመረ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ዝተወሰኑ ኮንቴነራት እውን ኣብ ወደብ ኮምቦልቻ በፂሖም ከምዝተራገፉ ገሊፆም፡፡

መባፅሒ ኣተውቲን ወፃኢቲን ኣቑሑት ኮይኑ ዘገልግል ወደብን ተርሚናልን ኮምቦልቻ፥ ንኢኮናሚ እቲ ከባቢ ልዑል ረብሓን ተመራፂን ብምዃኑን ዓማዊል ካብቲ ወደብ ዝረኽቡዎ ኣገልግሎት ብዝበለፀ ዝተሳለጠ ንምግባር ጉድኣት ዝበፅሖም ዓማዊል ዓማዊል ቅድሚት ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብሪሆም፡፡

ደረቕ ወደብ ኮምቦልቻ እናተኣናገዱ ዝነበሩ ዓማዊል መልቲ ሞዳል ኣገልግሎት ምጥቃም ንኽጅምሩ ፃውዒት ኣኣቕሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.