Fana: At a Speed of Life!

“መምርሒ ስምምዕነት ሱዳን ተጣሒሱ” ብዝብል ሚዲያታት ግብፂ ዘናፍሰኦ ወረ ሓሶት ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“መምርሒ ስምምዕነት ሱዳን ተጣሒሱ” ብዝብል ሚዲያታት ግብፂ ዘናፍሰኦ ወረ ሓሶት ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ኬንያ፣ ህንዲን ቤልጂየምን ዝርከቡ ኣምባሳደራት ምስ ተወከልቲ እተን ሃገራት ልዝብ ምግባሮም ገሊም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ነተን ሃገራት ንምብራህ ዝተኸኣለ እንትኸውን፥ ካብተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ፖለቲካን ኣብ ዘጠናኽሩሉ ኩነታት ልዝብ ተገይሩ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃን ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያንን ኖርዌይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዝታዮም ገሊፆም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝፀንሐ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእሉ ኩነታት ልዝብ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ብተመሳሳሊ፥ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማሊያ ኣብ ኩነታት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ኣድሂቦም ተዛቲዮም ኢዮም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ መንግስቲ ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ዩክሬን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ኣፍሪካውያንን ዶብ ከይሳገሩ ብዓሌት ቀለምን ኣድልዎ እናተገበረሎም ከምዝኾነ እውን ኣብቲ መግለፂ ተላዒሉ።

እዚ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ዘለዉ ኣምባሳደራት ብምስራሕ ድሕንነቶም ተሓሊዩ ብሰላም ካብ ዩክሬን ንኽወፅኡን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንኸኣትዉን እናገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሰሙን ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ህዳሰ ስዒቡ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ግብፂ “መምርሒ ስምምዕነት ሱዳን ተጣሒሱ” ብዝብል ናይ ሕሶት ፀብፃባት እናሰርሓ ከምዝኾና ኣምባሳደር ዲና ምግላጾም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ስምምዕነት ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ከየፍልፍል ዘንበሮ ክልከላ የለን፤ እኳ ደኣስ ህንፀት እቲ ግድብ እናተሳለጠ ድርድር ከምዝግበር ብግልፂ ዝገልፅ ኢዩ ኢሎም ኣብ መግለፂኦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.