Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን 34 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝኸውን 34 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ዓይነትን ገንዘብን ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ምክልት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንንን ኣመራርሓታት ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣረኪቦምዎም።

ብኮንትሮባንድ ዝተትሓዘ 22 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ዝግመት ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ፣ 25 ተሽከርከርቲ መኖ እንስሳት፣ 716 ኩንታል ሓገዝ ምግቢ፣ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ፍርናሽን ኮቦርታን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

5 ሚሊየን ብር ሓገዝ እውን ብጥረ ገንዘብ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.