Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ መጋቢት ንዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ምድላዋት እናዛዘሙ ከምዝኾኑ ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ዝተፈላለያ ክልላት ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መጋቢት ንዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ምድላዋት እናዛዘሙ ከምዝኾኑ ሓላፍቲ ፓርቲ ብልፅግና ክልላት ደቡብ፣ ጋምቤላን ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማ ድረዳዋ ኣፍሊጦም።

ነቲ ሓፈሻወ ጉባኤ ዝኸውን ናይ ምስንዳእ ኮንፈረንስ እናተኻየደ ዝርከብ “ካብ ፈተና ናብ ልዕልና” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኾ እተን ክልላት ገሊፀን።

ኣብ ክልል ደቡብ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዝኾ ኣባላት እቲ ፓርቲ ኮንፈረንስ ኣካይዶም ተወከልቲ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ከምዝተመረፁ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅጋን እቲ ክልል ኣይተ ጥላሁን ከበደ ተዛሪቦም።

ፓርቲ ብልፅግና ክልል ጋምቤላ እውን ኩሎም ኣባላት ዝሳተፉሉን ኣካል ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ጉባኤ ዝኾነ መሰረታዊ ኮንፈረንስ ፓርቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣይተ ላክዴር ላክናክ ገሊፆም፡፡

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ጋምቤላን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትርከበሉ ብርኪ ብዝምልከት ዘጋጥሙን እናጋጠሙ ዝርከቡን ፈተናታት ንምስጋር ዘኽእል ብቑዕ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ልዝብ ከምዝግበር ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኮንፈረንስ ኣባላት ማእኸል ክልል ምክያድ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ድሬዳዋ መሰረታዊ ፓርቲ ደረጃ ኮንፍረንስ እናካየደ ከምዝርከብ ምግላፁ ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ምምሕዳር ከተማ  ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.