Fana: At a Speed of Life!

ሱዳናውያን ንወታደራዊ መንግስቶም ምቅዋሞም ቀፂሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ) ሱዳናውያን ንወታደራዊ መንግስቶም ብምቅዋም ሕዚ እውን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባሮም ቀፂሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሱዳናውያን ኣብ ካርቱም ፊት ንፊት ፕሬዚዳንታዊ ቤተ መንግስቲ ብዝገበሩዎ ሰልፊ ሓደ ሱዳናዊ ተቓዋሚ ብጥይት ተወቒዑ ከምዝሞተ ሰብ ሞያ ሕክምና ተዛሪቦም።

ጄኔራል ዓብዱልፈታህ ኣል-ቡርሃን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 25 ጥቅምቲ ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምግባሮም ብዝተገበሩ ተቓውሞታት ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 84 ምብፅሑ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣፍሊጡ፡፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት እውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ተቓወምቲ ሱዳን ከምዘተሓሳስቦ ዝገለፀ እንትኸውን፥ እቲ ናዕቢ በዚ እንተቐፂሉ ተወሰኽቲ መዘዛት ክመፅኡ ከምዝኽእሉ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊፁ ኢዩ፡፡

ናይ ቀረባ እዋን ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ሰፊሕ ዓለም ለኸ ምኹን እናጋጠሞ ከምዝኾነን እታ ሃገር ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንኽዘሓሓል ምኽንያት ከምዝኾነ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.