Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሃረር ዝተሃነፀ ማእኸል ሕክምና ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሃረር ህይወት ፋና ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዝተሃነፀ ማእኸል ሕክምና ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ማእኸል ሕክምና ብልዕሊ 65 ሚኒየን ብር ከምዝተሃነፀ ተገሊፁ።

ነቲ ማእኸል ዘድሊ ሕክምና ጨረር መውሃቢ መሳርሒታት ብሚኒስቴር ጥዕናን መዳርግቲ ትካላትን ብምትሕብባር ብልዕሊ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተማልአ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝተረኸባሉ ዝተመረቐ እቲ ማእኸል፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክህነፀ ካብ ዝተተለሙ 7 ማእኸላት ሕክምና ካብ ጥቁር ኣምበሳ ኣዲስ ኣበባን ሆስፒታል ጅማን ቀፂሉ እቲ መበል ሳልሳይ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ተመሪቑ ናብ ስራሕ ብምእታዉ ሕሙማት ኣብ ከባቢኦም ንክሕከሙ ዝገብር ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

ብተሾመ ኃይሉ ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.