Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኮንዶሚኒየም ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ሓደ ህፃን እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ክልተ ቆልዑት ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣብ ዝርከብ ሓደ ኮንደሚኒየም ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ሓደ ህፃን እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ክልተ ቆልዑት ጉድኣት በፂሑ።

እቲ ሓደጋ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ወረዳ 4 ኣራብሳ ኮንደሚኒየም ብሎክ 34 ካልኣይ ደብሪ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት ትሽዓተ ዘጋጠመ ኢዩ።

በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህፃን ህይወቱ እንትሓልፍ ዓሰርተ ዓመት ዘለዋ ሓፍቱ ድማ ብትኪ ተዓፊና ሓደጋ በፂሑዋ።

ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እንተጋጥም ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝነበረት ጓል 18 ዓመት መንእሰይ ሰራሕተኛ ገዛ እውን ካብ 5ይ ደብሪ ብምዝላል ንባዕላ ንምድሓን ብዝገበረቶ ፈተነ ጉድኣት ኣካል ኣጋጢሙዋ ተባሂሉ።

ተጎዳእቲ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ንጋቱ ማሞ ንፋና ብርድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.