Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዴሞክራሲያዊ ትካላት ኢትዮጵያ ግልፅትን ዘይሻራውነትን ኣሰራርሓ ብተግባር እናተረጋገፀ መፂኡ – ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዴሞክራሲያዊ ትካላት ኢትዮጵያ ግልፅትን ዘይሻራውነትን ኣሰራርሓ ብተግባር እናተረጋገፀ ምምፅ  ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒሰስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም።

ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ካብ ፅባሕ  ለውጢ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ናፃን ዘይሻራዊን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ምፍጣር፣ ጥንኩር ቦርድ መረፃ ምውዳብን ስርዓት ፍትሒ ምምሕያሽን ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ፀሪሖም።

ብፍላይ ብወገን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናፃን ዘይሻራዊን ትካል ናይ ምፍጣር ተግባር ጋህዲ ስለዝኾነ “ንምእማን ዝኸብዱ ፀብፃባት እናወፅኡ ይርከቡ” ኢሎም።

“ፀብፃባት እቲ ኮሚሽን መንግስቲ ናይ ባዕሉ ርኢቶ የሃልዎ እምበር ንምኽባር መሰል ዜጋታት ተስፋ ዝህቡ ተግባራት ከምዝተርኣዩ ብምግላፅ እዚ ተግባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣድላዪ ሓገዝ ክግበር ኢዩ  ኢሎም።

በዞም ትካላትን ካልኦትን ተወሲኹዎም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ትካላት ግልፅነት ኣሰራርሓን ዘይሻራውነትን ብተግባር እናተረጋገፀ ምምፅኡ ገሊፆም።

ትካላት ፍትሒ እውን ናፃን ዘይሻራዊን ኮይኖም ዜጋታት ንኸገልግሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.