Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ትካላዊ ንምግባር ማዕቐፍ ሕጊታት እናሰናድአ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ትካላዊ ንምግባር ማዕቐፍ ሕጊታት እናሰናድአ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ፎረም ኦፍ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር ኣብ ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ዘሎ ርክብ ቀፀልቲ ኣንፈታት ዘተኮረ ሕጋዊ ማዕቐፍ ብምስንዳእ ንዘተ ምቕራብ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ዘሃራ ዑመድ፥ ሓቀኛ ህብረ ብሄራዊ ፌዴራሊዝም ጋህዲ ንምግባር “ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ትካላዊ ክኸውን ይግባእ”።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሕጊን ስርዓትን ዘይተኸተለ ብምንባሩ ሓቀኛ ስርዓት ፌዴራሊዝም ክትግበር ከምዘይከኣለ እተን ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ገሊፀን።

ርክብ እቶም መንግስታት ትካላዊ ንምግባር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት እናሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ምክትል ኣፈ ጉባኤ፥ ነተግባራውነቱ ማዕቐፋት ሕጊን ፖሊሲን ናይ ምስንዳእ ስራሕቲ የስርሑ ኣለዉ ኢለን።

ፕሬዚዳንት ፎረም ኦፍ ፌዴሬሽን ኣይተ ደሳ ቡልቻ ብግደኦም፥ ስርዓት ፌዴራል ንኽጠናኸር ምስቲ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.