Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢት ፈተና ሲቪክስ ካብ መወዳደሪ ውፅኢት መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ወፃእ ንኽኸውን ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት ፈተና ሲቪክስ ካብ መወዳደሪ ውፅኢት መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ወፃእ ንኽኸውን ምውሳኑ ሃገር ለኸ ኤጀንሲ ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ መዛዘሚ ብሄራዊ ፈተና ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም 12 ክፍሊ እርማቱ ድሕንነቶም ዘተኣማምን ዝኾኑን ካብ ምንኽኻእ ናፃ ብዝኾኑ ካብ ምንኅኻእ ብዝረሓቑ መእረሚ ማሽናት ኣድላዪ ሓለዋ ድሕንነት ብፐፖሊስ ፌዴራልን ናይ ድሕንነት ካሜራታትን ተሓጊዙ ብጥንቃቐ ከምዝተኻየደ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ውፅኢት ፈተናታት ብብርኪ ዓይነት ትምህርቲ፣ ቤት ትምህርቲን ደረጃ ተምሃራይን ሰፊሕ ትንተና ውፅኢት ብምክያድ ውፅኢት ሕድሕድ ዓይነት ትምህርቲ ከምዝግገመ ተሓቢሩ፡፡

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ዙር ፈተና ሲቪክስ ኣብ ኩለን ኣቢያተ ትምህርቲ ብዝበሃል ደረጃ ምምስሳል ውፅኢትን ዝቕባበን ዝተረኣየሉ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፡፡

ብምኅንያት እዚ ድማ ውፅት ፈተና ሲቪክስ ከም መወዳደሪ ውፅኢት መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ ከየገልግል ምውሳኑ እቲ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.