Fana: At a Speed of Life!

ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካ ሓፂነመፂን ንምጥያሽን ልምዳ ንምክፋልን ከምእትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ካብሪካ ሓፂነመፂን ንምጥያሽን ልምዳ ንምክፋልን ከምእትደሊ ገሊፃ።

ኣብ ሩሲያ ተወካሊ ጉዳያት መዓድን ሓፂነ መፂን ሰሜኖቭ ቪክተር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሚኒስትር ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ መላኩ ኣለበል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም።

እታ ሃገር ብዋናነት ብሰደድ ንግዲ ፋብሪካ ሓፂነ መፂን ኢኮኖሚኣ ከምእትመርሕ ሰሜኖቭ ቪክተር ተዛሪቦም።

ሩሲያ ኣብቲ ዓውዲ ዓቕሚ ዘለዎም ዝነጥፉ ብዙሓት መሃንዲሳትን ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብን ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ካብሪካ ሓፂነመፂን ንምጥያሽን ልምዳ ንምክፋልን ከምእትደሊ ገሊፆም።

ኣይተ መላኩ ኣለበል ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓትን ባሀሊ ዴሞክራሲን ዕላዊ ንምግባር ኢሉ እውን ካብ ድኽነት ንምልቓቕ ዝተዋደደ ብሄራዊ ፖሊስን ስትራቴጅን ብምቕራፅ ተግባራዊ ትገብር ከምዘላ ነቶም ልኡኻት ኣረዲኦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ግብርና ዝመርሖ ኢኮኖሚ ናብ ኢንዱስትሪ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንምሽግጋር ከምእትሰርሕ ተዛሪቦም።

ነዚ ንምትግባር ዘኽእል ኩነታት ብምምችቻው ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዓዲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንከፍስሱ ንሰርሕ ኣለና ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.