Fana: At a Speed of Life!

“ዘቕረብኩላ ሕቶ ፍቕሪ ኣይተቐበለትኒን” ብዝብል ኣሲድ ደፊኡ ጉድኣት ዘብፀሐ ውልቀ ሰብ ብ14 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዑ

ኣዲስ ኣበበ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ዘቕረብኩላ ሕቶ ፍቕሪ ኣይተቐበለትኒን” ብዝብል ኣሲድ ደፊኡ ጉድኣት ዘብፀሐ ውልቀ ሰብ ብ14 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምዝተቐፅዐ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ሁለት እጁ እነሴ ኣፈሊጡ።

ኣካቢ እቲ ቤት ፍርዲ ዳይና ኣይ ኣማረ ኣያሌው ክምዝገለፁዎ፥ እቲ ውልቀሰብ ብዝተመስረተሉ ክሲ ብመረዳእታ ሰነድን ሰብን ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ውሳነ ተመሓላሊፉዎ።

ተበዳሊት ውልቀ ሰብ በዓልቲ ሞያ ጥዕና እንትትከውን ኣብ ወረዳ ሁለት እጁ እነሴ ቀራንዮ ኣብ ዝተብሃለት ንኡሽተይ ናይ ገፀር ከተማ ኣብ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ እንዳ መድሓኒት ተቖፂራ ትሰርሕ ነይራ።

ተኸሳሲ ውልቀ ሰብ “ዘቕረብኩላ ሕቶ ፍቕሪ ኣይተቐበለትኒን” ብዝብል ብሕነ ምፍዳይ ተላዒሉ 18 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ሰዓት 11 ድሕሪ ቀትሪ ካብ ስራሕ እንትትምለስ መገዲ ሓሊዩ ኣሲድ ኣብ ገፃን ሰውነታን ከምዝደፍአላ ተገሊፁ።

ፖሊስ ብዝገበሮ ክትትል 26 ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሞጣ ኣብ ገዛ ሓደ ውልቀ ሰብ ተሓቢኡ ረኺቡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከውዕሎ ክኢሉ።

ቤት ፍርዲ እታ ወረዳ ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ተኸሳሲ ውልቀሰብ ብ14 ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፃዕ ምውሳኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብጺቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.