Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሬድዋን ካብ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተለኣኸ መልእኽቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣአሕመድ ዝተለኣኸ መልእኽቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኢምራን ካህን ኣቕሪቦም።

ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፓኪስታን እናገበሮ ኣብ ዝርከብ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒትር እታ ሃገር ተዛቲዩ።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢምራን ካህን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ፓኪስታን ኣብ እዋን ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኢትዮጵያ ንዝሃበቶ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲአን ሀገራት ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻትን ብዝገብረኦ ምትሕብባር ርክብን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ፅኑዕ መሰረት ከምዘንበሩ ፀሪሖም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኢምራን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብሩ ዝለኣኹሎም ዕድመ ኣቕሪቦምሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢምራን ካህን ብግደኦም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝለኣኹሎም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ምሕዝነትን ንዝገበሩሎመር ዕድመን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ፓኪስታን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ዕዙዝ ዋጋ ከምትህቦ ብምሕባር፤ ክልቲአን ሃገራት ብዓውዲታት ንግዲን ኢንቨስትመንት ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.