Fana: At a Speed of Life!

ፀላእትና ብዘዳለዉልና መገዲ ክንጓዓዝ ኣይግባእን ብናይ ባዕልና መገዲ ክንጓዓዝ ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀላእትና ብዘዳለዉልና መገዲ ክንጓዓዝ ኣይግባእን ብናይ ባዕልና መገዲ ክንጓዓዝ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

ብዛዕባ ምፍታሕ እሱራት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ “ቅድሚ ሕዚ እሱራት ይፈትሑ እናበልና ንካታዕ ነይርና ሕዚ ድማ ንምንታይ እሱራት ተፈትሑ ናብ ዝብል መፂእና ኣለና እዚ ድማ ዝነኣድ ለውጢ ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እሱራት ዝተፈትሑሉ ምኽንያ እንተብርሁ፥ ቀዳማይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ካልኣይ ዝተረበ ዓወት ንምፅናዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም::

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እሱራት ዝተፈትሑሉ ምኽንያ እንተብርሁ፥ ቀዳማይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ካልኣይ ዝተረበ ዓወት ንምፅናዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኲናት ረብሓ ከምዘይብሉ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጠሙ ኲናታት ዝበኣሰ ክሳራ እምበር ዝጠቅም ነገረ ኣይተረኸበን ብምባል ከም ኣብነት ጉዳይ ኤርትራ ኣልዒሎም።

ምፍታሕ እሱራት ብመንፅር ሕጊ እምብዛ ክፍተት ከምዘይብሉ እውን ገሊጾም።

ምፍታሕ እሱራት ንኢትዮጵያ ብብዙሕ መገዲ ረቢሑዋ ኢዩ፤ ንረብሓ ሃገር ስለዝኾነ ድማ እንተዝልመድ ግቡእ ኢዩ” ኢሎም።

ይቕረታ ምሕታት ፅቡቕ ነገር ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብፍላይ ድማ ተበዲልካ ይቕሬታ ምግባር ልዕልና ሞራል ከምዝህብ ኣገንዚቦም።

“ፀላእትና ብዘዳለዉልና መገዲ ተዓወትቲ ኣይገብረናን፤ ብናይ ባዕልና መገዲ ክንጓዓዝ ይግባእ” ክብሉ ኣብሪሆም።

ብዛዕባ ድርድር ምህላዉን ዘይምህላዉን ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝተልዓለሎም ሕቶ እንትምልሱ፥ ክሳብ ሕዚ ድርድር ኣይተገበረን ሕዚ ኣይተገበረን ማለት ግን ድሕሪ ሕዚ ኣይግበረን ማለት ኣይኮነን” ኢሎም።

“ብዛዕባ ድርድር ብዙሕ እንትበሃል ንሰምዕ ኢና፤ ክሳብ ሐዚ ግን ድርድር ኣይተገበረን፤ እዚ ማለት ድርድር ኣይጠቅምን ማለት ኣይኮነን” ክብሉ ኣገንዚቦም።

“ኣነ ድርድር ኢለ ዝሓዝኩዎ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዘተ ምክያድ ኢዩ፤ ሕዚ ድማ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 11 ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ሸይሙ ኣሎ” ኢሎም::

ድርድር ንሃገራዊ ሰላምን ልምዓትን ፅባሕ ንእነሃንፃ ሃገርን እምበር ንክፍፍል ስልጣን ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመት ዝመርሕ መንግስቲ ተመሪፁ ኣሎ” ክብሉ ገሊፆም።

ዘተ ዘድሊየሉ ዓለም ለኻዊ ምኽኒያታት እንተብርሁ፥ ፖሊካዊ ሕምየታት ንምምዕርራይ፣ ኣብ እዋን ኲናት ዝተርኣዩ ፀገማት ድሕሪ ኲናት ንምምዕርራይን ኢዩ ኢሎም።

“ተቓወምቲ ውድባት ዘለዎም ሓሳብ ተቐቢልና ሃገር ንምህናፅ ክንጥቀመሉ ኢና” እውን ኢሎም።

ዝተመረፁ ኮሚሽነራት ሃገራዊ ምኽክር ካብ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት፣ ሃይማኖታት፣ ፆታን ንምስታፍ ብዝገበሩዎ ዕዙዝ ፃዕሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክምስገን ከምዝግበኦ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.