Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 1 ነጥቢ 63 ቢሊየን ዶላር ምንቅስቓስ ኢንቨስትመነት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 1 ነጥቢ 63 ቢሊየን ዶላር ምንቅስቓስ ኢንቨስትመነት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ብምድሃብ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 1 ነጥቢ 63 ቢሊየን ዶላር ምንቅስቓስ ኢንቨስትመነት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ኢንቨስትመንት፥ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብ23 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ እውን ተዛሪቦም።

ቁፅፅር ንግዲ ብ10 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብምግላፅ፥ 8 ሚኢታዊ ንግዲ ፍቓድ ከምዘሐደሱ ኣብሪሆም።

ይኹን እንበር እቲ ምንቅስቓስ ምዝማን ንፅባሕ ዘይበሃለሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ከተማታት ዘድሊ ከተማ ሕርሻ ብምስፍሕፋሕ ናህሪ ናብራ ምቕናስ ከምዝከኣል ብምግላፅ፥ እዚ ብምግባር ኣብ ሕርሻ ዝገጠመ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ኩሉ ኣመራርሓ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕብየት(GDP) ኣብ እዋን ለጥጢ ካብ ዝነበሮ 58 ሚኢታዊ ብምቕናስ 50 ሚኢታዊ ክኸውን ተኽእሉ ኣሎ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.