Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ሰደድ ወፃኢ ብ25 ሚኢታዊ ዓብዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ብምድሃብ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢኮኖሚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኢኮኖሚ ብነፍላይ ኣብ እዋን ኲናት ብዙሓት ፈተናታት ከምዘለውዎ ኣብሪሆም።

ንኣብነት ሓገዝ ዝህባ ሃገራት ሓገዘን ዝግድባሉ፣ ብዙሕ ምምዝባል ሰባት ዝረኣየሉ፣ ኣፍራዪ ዜጋ ትኹረቱ ናብ ኲናት ዝገብረሉ ተረቋሒቲ ፈተናታት ኢዮም ኢሎም።

ስለዚ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኲናት ከምዘለዎ ኮይኑ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፈተናታት ዝዓብለሎ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ይኹን እነበር ዝነበሩ ፈተናታት ብፍላይ ኮሮና ናብ ዕድል ኣብ ምቕያር ዝሓሸ ስራሕ ዝተሰርሓሉን ንካልኦት ሃገራት ትምህርቲ ዝሃብናሉን ኢዩ ነይሩ ኢሎም።

ኮቪድ ብምምግጣሙ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ይኹን ሰደድ ወፃኢ ደው ዝበልናሉ ኣይነበረን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ኣታዊን ወፃኢን ግን በቲ ዝተተለመሉ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ኣብ ሚዛን ንግዲ እንትረአ ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ሰደድ ወፃኢ ብ25 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ተዛሪቦም።

እዚ ብዋናነት ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ሸቐጥ ሰደድ 21 ሚኢታዊ፣ ኣገልግሎት 27 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ሓቢሮም።

ካብ ወፃኢ ዝኣትው ዝነበረ ሃፍቲ ብውሽጢ ዓዲ ኣብ ምትካእ፥ ምግቢ፣ ንመስተ ዝኸውን ቡቕሊ፣ ቴክስታይል፣ ጫማ፣ ዳይፐር፣ እታዎት ስሚንቶ ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ሃፍቲ ባንኪታት 2 ትሪሊየን ብር ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፥ ብሓፈሻ ኣብ ፋይናንስ ሴክተር ዕብየት ከምዝተርኣየ ኣብሪሆም።

ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ኩታ ገጠም ኣዝዩ ኣዋፃኣይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነናብ ከባቢኦም እንትኸዱ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ሓረስቶት ከምህሩን ከነቓቕሑን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ቀንዲ ዕላማ እዚ ለውጢ ዝተጀመሩ ምዝዛም እንትኸውን ብመሰረት እዚ ኣብዝሓ ተዛዚሞም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ገሊፆም።

ቱሪዝም ብመንፅር ምስፋሕ ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ኣብ ዝሓለፉ በዓላት ናብ ሃገሮም ብምምፃእ ንዝገበርዎ ስራሕ ኣመስጊኖም።

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዘለዉ ሙስሊም ወገናት ቀፃሊ ዒድ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ እወንታዊ ገፅታ ሃገሩ ኣብ ምህናፅን ዘድሊ ምንቕቓሕ ቱሪዝም ኣብ ምፍጣርን ክነጥፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.