Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ መረፃ ኮሚሽነራት መሳተፊ፣ ግልፂን ተኣማንነት ዘለዎን ኢዩ – ኣፈ ጉባዔ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ መረፃ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር መሳተፊ፣ ግልፂን ተኣማንነት ዘለዎን ከምዝኾነ ኣፈ ጉባዔ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ 2ይ ህፁፅ ኣኼባ ንሃገራዊ ኮሚሽን ኮሚሽነርነት ዝቐረቡ ሽመት 11 ሕፁያት ኣፅዲቑ ኢዩ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይ ታገሰ ጫፎ፥ መረፃ እቶም ኮሚሽነራት ንምክያድ ዝነበረ መሳተፊ፣ ግልፂ፣ ተኣማንነት ዘይሻራውነቱን ዘረጋገፀ ንኅኸውን ተገይሩ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ባይቶ ዝቐረቡ ሕፁያት ኮሚሽነራት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብምትሕብባር ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ ብቑዓት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ልዝብ ብሞያ፣ ሽምግልና፣ ብልምዲን ኣስተዋፅኦ ብምግባር፣ ብንቕሓት፣ ኣስተውዓላይነት ንኽዘራረቡ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.