Fana: At a Speed of Life!

ኮምቦልቻ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነፃ ኣብ ምውፃእ ንዝተሳተፉ ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮምቦልቻ ካብ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ነፃ ኣብ ምውፃእ ንዝተሳተፉ ኣካላት ኣፍልጦን ምስጋናን ተዋሂቡ።

ማሕበረሰብን ምምሕዳን እታ ከተማ ኣብ ዘዳለውዎ ስነስርዓት ኮምቦልቻ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነፃ ኣብ ምውፃእ ዕዙዝ ተራ ንዝነበሮም ኣባላትን ኣመራርሓን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሓይሊታት ፀፅታ ኣምሓራን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ኣፍልጦ ተዋሂቦዎም።

ምክትል ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ኢንጂነር አህመድ የሱፍ፥ “ኢትዮጵያ ንምፍራስ ክሳብ ሲኦል ክኣቲ ኢየ” ዝበለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዙሓት ወረራታት ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

“ሓድነት ኢትዮጵያ ንምልሕላሕ የኽእለኒ ኢዩ” ዝበሎ ተረኽ እወን ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣባላትን ኣመራርሓን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሓይሊታት ፀፅታ ኣምሓራን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ክብሪ ሃገር ብዘይምድፋር ዘንፀላለዋ መጥቃዕቲ ምምካት ምኽኣሎም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ንዝሰራሕኽምዎ ዝምጥን ምስጋና እንተዘይኣብፃሕና እውን ነመስግነኩም ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ንሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወረቐት ምስክር ዝተውሃበ እንትኸውነ፥ ንማእኸላይ እዝ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ምዕራብ እዚ፣ ምብራቕ እዚ፣ ደቡብ እዚ፣ ሻድሻይ እዚ፣ ፍሉይ ወፍሪ ኮማንዶ፣ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ኣምሓራ፣ ሚሊሻ ኣምሓራ፣ ኣድማ ብተና ኣምሓራን ኣብያተ ህንፀት ኣምሓራን ወረቐት ምስክርን ምስጋናን ተዋሂቡ። ብ

ፀጋየ ወንድወሰን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.