Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ ስግረ ዶብን ጎደናን ኢ/ውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ ስግረ ዶብን ጎደናን ከምኡ እውን ኣብ ስፔን ከተማ ሲቪያ ብዝተገበረ ውድድር ማራቶን ብክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሲቪያ ብደቂ ተባዕትዮ ኣስራር ሃይረዲን ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡

ኣብቲ ውድድር፥ ኣደላድለው ማሞ 2ይ፣ ኣዱኛ ታከለ 4ይ፣ ኣብዲ ዓሊ 8ይ፣ ረጋሳ ምንዳዬ መበል 11፣ ኤባ ቱሉ መበል 30፣ ዓብዱ እንድሪስ መበል ሳላሳን ሓሙሽተን ከምኡ እውን መሌ መበል 44 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም፡፡

ብደቂ ኣንስተዮ ድማ መገቱ ኣለሙ ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ፡፡

ኣብቲ ውድድር÷ መሰረት ጎላ ካልአይቲ፣ የሺ ካልኣዩ ሳልሰይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ጉዋዳላጃራ ብደቂ ኣንስትዮ በሱ ሳዶ 1፡09፡12 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዋቲት ኮይና፡፡

ኣትሌት ዳዊት ስዩም ክብረ ወሰን 5 ኪ.ሜ ሌቪን ብምምሕያሽ ካብ 48 ሰዓታት ብዝነኣሰ ፃንሒት ኣብ 1500 ሜትሮ ውድድር ውሽጢ ገዛ ተሳቲፋ 4፡04.35 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብዓወት ምዝዛማ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸበርናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.