Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዝዘመነን ዜጋታታ ዝኾርዑላን ሓይሊ ባሕሪ ንምህናፅ እናሰርሐት ምዃና ተገንዚብና – ልኡኽ ፌዴሬሽን ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽ ፌዴሬሽን ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ።

መንግስቲ ሩሲያ  ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐ ሰናይ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ዘለዎ እንትኸውን፥ ዕላማ እቲ ዑደት ድማ ሓደ ኣካል እቲ ምትሕብባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሓላፊ ልኡኽቶ ፌዴሬሽን ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ መራሒ ልኡኽ ፌዴሬሽን ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ሜጀር ጀነራል ኦስትሪ ኮቭ ኣብቲ እዋን ዑደት ከምዝገለፁዎ፥ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብውዳብኡ ዝበለፀ እናዘመነ ንኽመፅን ኢትዮጵያውያን ብሓባር ዝኾርዑሉ ጥንኩር ትካል ንምህናጽ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምዕዛቦም ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጥንኩር ሓይሊ ባሕሪን ናይ ምክልኻል ዓቕማ ብዝበለፀ ንምህናፅን ኣብ ትገብሮ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ስልጠና ግደኣ ክትፃወት ትኽል ኢያ ተባሂሉ፡፡

ተወካሊ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮሞዶር ዋላፃ ዋቻ፥ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ከምዝተጣየሸ ብምግላፅ፤ እቲ ክፍሊ ብዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ንምውዳብ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ገሊፆም፡፡

ካብ ኣወዳድባ ካልኦት ሃገራት ሓይሊ ባሕሪን ቅድም ክብል ካብ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ልምዲ ብምውሳድ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶ ብግቡእ ንምፍፃም ዘኽእል ዝተማለአ ኣወዳድባ ተሰሪሑ ብምክልኻል ፀዲቑ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ምብረሆም እውን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.