Fana: At a Speed of Life!

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዓፋር ጠጠው ንኽብል ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር እናፈፀሞ ዝርከብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ኣብ ዝኣተዎ ንምትራፍን ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር፣ ሚሊሻን ህዝባዊ ሰራዊትን እናተቃለሰ ከምዝኾነ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣሕመድ ካሎይታ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንህዝቢ ዓፋር ንምጉዳእ ኲናት ከፊቱ ሃፍቲን ንብረትን ካብ ምዕናው ጀሚሩ ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዋጋ እናኽፈለ ይርከብ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምዝራፍን ንምውራድን እናገበሮ ዝርከብ ወራርን መጥቃዕቲን ዝተረደአ ህዝቢ እቲ ክልል ተዋዲዱ ተናቢቡን ህልውንኡ ንምኽባር ኢሉ እውን ዕላማ እቲ ጉጅለ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን እቶም ሓላፊ ኣመልኪቶም።

“ህዝቢ ዓፋር ንፁሃን ዒላማ ገይሩ መጥቃዕቲ እናብፀሐ ዝርከብ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምውጋእ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ንምኽባርን ናብ ቃልሲ ንኸኣቱ ገይሩዎ ኢዩ” ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ዓፋር ኣብ ኩሎም ግምባራት እናተኸላኸለን እናተቓለሰን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምስዚ ጎድና ጎድኒ ነቲ ክልል እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ኩሉ ሰብ ተሓባበሪ ብምዃን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዓፋር ደው ንኽብል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብይስማው ኣደራው፣ ኣብራሂም ሙሳን ሰዓዳ ጌታቸውን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.