Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ 6ይ ሓበራዊ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ንምስታፍ ኣብ ቤልጂም ብራስለስ ይርከቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ 6ይ ሓበራዊ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ንምስታፍ ናብ ቤልጂም ብራስለስ ይርከቡ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ብራስለስ እንትበፅሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ኣገባብላ ዝገበሩሎም እንትኾኑ፥ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ቻርልስ ሚቼል ተራኺቦም ኣብ ርክብ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ውፅኢታዊ ልዝብ ገይሮም ኢዮም።

እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ዝካየድ እንትኸውን፥ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ክልቲኦም ሕብረታት፣ ሓለፍቲን ተወከልቲን ዝተፈላለዩ ትካላት ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ክልቲአን ኣህጉራት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ርክብ ንምጥንኻር ዓቢዪ ዕድል ከምዝፈጥር ተሓቢሩ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሕብረታት ዘሎ ፖለቲካዊ ርክብ ኣብ ምጥንኻርን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ምስግጋርን ዓቢዪ ግምት ዝተውሃቦ ጉባኤ ከምዝኾነ ሪፖርተር ግዚኢ ካብቲ ቦታ ፀብፂቡ።

እቶም መራሕቲ ምዕባለ ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዝዛተዩ እንትኾኑ፥ ጎና ጎድኒ ድማ ፓኬጅ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ኣውሮፓ ዕላዊ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ድንጋገ ሓበራዊ ራኢ 2030 ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን እውን ኣብቲ ጉባኤ ክፀድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ማዕቐፍ ሰላምን ድሕንነትን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ፥ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኣብቲ ጉባኤ ብዕምቆት ክዝትዩሉ ኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ልምዓት ብፋይናንስ ምሕጋዝ፣ ስርዓት ጥዕና ምምሕያሽን ክታበት ምፍራይን፣ ዘላቒ ልምዓት ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ባህሊ፣ ምዝማን ስርዓት ሞያዊ ስልጠና እውን በቶም መራሕቲ ዝዝተዩሎም ዛዕባታት ኢዮም።

ርክብ ሕብረት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ሓበራዊ ጉባኤን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2000 ዝተጀመረ እንትኸውን፥ እቲ ጉባኤ በቢሰለስተ ዓመት እናተኻየደ ፀኒሑ ኢዩ።

ፈላማይ ጉባኤ እቶም ሕብረታት ኣብ ግብፂ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ፖርቹጋል፣ ሊቢያ፣ ቤልጂየምን ኮትዲቯርን ብቅደም ሰዓብ እቲ ጉባኤ ዝተኻየደለን ሃገራት ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.