Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲታት ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምክያድን ኣድላዪ ምሕያሽ ሰነድን ብምገባር ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንኸእትዉ ቦርድ መረፃ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲታት ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምክያድን ኣድላዪ ምሕያሽ ሰነድን ብምገባር ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንኸእትዉ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቦርድ 23 ሕዳር 2014 ዓ.ም ምስ ፓርቲታት ብዝገበሮ ምይይጥ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1162/11ን መምርሒ ቁፅሪ 3/2011 መሰረት ብምግባር ድሕሪ ምዝዛም ሃገራዊ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸካይዱን ምምሕያሽ ሰነድን ንኽገብሩ ዝተገለፀሎም ፓርቲታት ትፅቢት ዝግበረሎም ኣማሊኦም ብዘይምቕራቦም ኣዋጅ ህፂፅ እዋን ኣብ ዝተለዓለሉ ሓደ ወርሒ ውሽጢ ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ንኸካይዱን ናብቲ ቦርድ ንኸእትዉን ከምዝወሰነ ኣብቲ እዋን ዘተ ነቶም ፓርቲታት ምግላፁ ኣዘኻኺሩ።

ስለዝኾነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንኽለዓል ምውሳኑ ስዒቡ ቀፂሎም ሽሞም ዝተፀርሑ ፓርቲታት ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምክያድ ከምኡ እውን ኣድላዪ ምምሕያሽ ሰነድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብምክያድ እቲ ቦርድ ኣተሓሳሲቡ።

ሃገራዊ ፓርቲቲታ፦ ፓርቲ ልፅግና፣ ምንቅስቓስ ናፅናት ኦሮሞ፣ ፓርቲ ናፅነት ኢትዮጵያ፣ ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኢትዮጵያ፣ ነፃነትን ማዕርነትን ፓርቲ፣ ፌዴራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ፣ ፓርቲ ሓዱሽ ትውልዲ፣ ውድብ መላእ ሓድነት ኢትዮጵያ፣ ብሄራዊ ግምባር ናፅነት ኦጋዴን፣ ህዝባዊ ወያናይ ፓርቲ ኢትዮጵያ፣ ግምባር ናፅነት ኦሮሞ፣ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ኢዮም፡፡

ክልላዊ ፓርቲታት፥ ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ፣ ሓምለዋይ ፓርቲ ካፋ፣ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ጋምቤላ፣ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ሞቻ፣ ህዳሴ ፓርቲ፣ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራ፣ ፍትሓዊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢ ዓፋር፣ ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ቦሮ፣ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራሲ ሉኣላዊነት፣ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ብሄረሰብ ኣርጎባ፣ የአርጎባ ህዝብ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ኣርጎባን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጋሞን ከምዝኾኑ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.