Fana: At a Speed of Life!

ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ቅትለት ሓዊሱ ኣገዲድካ ምድፋርን ዘረፋን ከምዝፈፀሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ቅትለት ሓዊሱ ኣገዲድካ ምድፋርን ዘረፋን ከምዝፈፀሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ።

እቲ ትካል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጸኦ ፀብፃብ ኢዩ ኣብቲ ክልል ዝተፈላለዩ ከበባታት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሓገዝቱን ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ፣ ብጉጅለ ንደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈሩን ናይ ውልቀን ህዝቢን ንብረታት ከምዝዘረፉ ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

ኣብ ከባቢታት ጭናን ቆቦን ዝተፈፀመ ኣረመኔያዊ ተግባር ብዕጡቓት እቲ ጉጅለ ከምዝተፈፀመ እውን ኣብ ፀብፃቡ ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኣረመኔያዊ ተግባርን ገበን ጦርን ዘርእዩ ሓበሬታታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኹ ከምዝመፅ ኣብቲ ትካል ምክትል ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪካን ከባቢ ቃላያትን ሳራ ጃክሰን ገሊፀን።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ክልል ኣምሓራ ትርከብ ከተማ ቆቦ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተቐተሉ ዘልዐለ እቲ ፀብፃብ፥ ብሓይሊታት ፀፅታ ኣምሓራን ሓረስቶትን ዝበፅ ስዕረት ሕነ ንምፍዳይ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ገሊፆም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣስከሬን ንምእካብን ንምቕባርን ዝሓገዙዎ ሰባት ሓዊሱ 27 መሰኻኽርን ብህይወት ዝተረፉ ውልቀ ሰባትን ቃለ መሕትት ገይሩ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ 10 ነበርቲ ቆቦ ንኣምነስቲ ከምዝገለፁዎ፥ 9 ለካቲት 2014 ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት ሓይሊታት እቲ ጉጅለ ኣዝማዶምን ጎረባብቶምን ካብ ገዝኦም ብምውፃእ ቀቲሎም ኢሎም።

ኣብ ጭና ዝተፈፀመ ኣገዲድካ ምድፋር እውን ሓይሊታት ህወሓት ኣብ ክሊ ዕድመ 14 ዓመት ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ጎራዙን ከምዝደፈሩ ገሊፁ።

እቲ ፆታዊ ጥቕዓት ድብደባ፣ መፈራርሒ ቅትለትን ኣብ መንነት ዝበፅሕ ፀርፊን ሓዊሱ ብዘስካሕኽሕ ጭካነ ዝተሓገዘ ተግባር ከምዝነበረ ፀብፃብ ኣምነስቲ ገሊፁ።

ኣምነስቲ ዘዘራረቦም ካብ ሞንጎ ብህይወት ዝተረፉ 30 ሰባት እቶም 14 ብብዙሓት ሓይሊታት ህወሓት ብጉጅለ ከምዝተደፈራን ዝተወሰና ድማ ኣብ ቅድሚ ደቀን ከምዝተደፈራ ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እውን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልቲኦም ከባቢታት ብዙሓት ናይ ውልቀን ህዝቢን ንብረታት ምዝራፉ ኣምነስቲ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ገሊፁ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.