Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ከባቢ ዶብ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ፀፅታ ንምምካት ብሓባር ከምዝሰርሓ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ከባቢ ዶብ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ፀፅታ ንምምካት ብሓባር ከምዝሰርሓ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዓውዲ ፀፅታ ክልቲአን ሃገራት ገሊፆም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኢንስፔክተር ብሔራዊ ኣገልግሎት ፖሊስ ኬኒያ ጀነራል ሄላሪ ሙትያምባይ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምቕባል ተዛቲዮም።

ከልቲኦም ሓለፍቲ፥ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ከባቢ ዶብ ሰለማዊ ምንቅስቓስ ንምርግጋፅ ብሓባር ዝሰርሕዎም ስራሕቲ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተላዚቦም።

ብፍላይ ክልቲአን ሃገራት ብፀፅታ ተሓባቢረን ብምስራሕ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ እኩይ ተግባር ንምኽሻፍ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።

ኢንስፔክተር ጀነራል ሄላሪ ሙትያምባይ፥ ኢትዮጵያን ኬንያን ፀፅታን ሰላምን ከባቢታት ዶብ ንምሕላው ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሉ ስምምዕነት ከምዝተገበረ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.