Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ልዕሊ 18 ሺሕ ጥይትን ሽጉጥን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረን ካብ ሳንጃ ናብ ጎንደር ክኣቱ ዝነበረን ልዕሊ 18 ሺሕ ጥይትን ሽጉጥን ከምዝሓዘ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ጎንደር ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ሚዲያን ኮሙዩኒኬሽንን እቲ መምርሒ ኮማንደር ውብነህ አስናቀ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ 76 ስራሕቲ ቱርኪ ሽጉጣት፣ 18 ሺሕን 200 ጠያይቲ ሽጉጥን ተታሒዞም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 518 ጠያይቲ ብሬን ካብ ሳንጃ ናብ ጎንደር ክኣቱ ክብል ኣብ ዞባ ማእኸል ጎንደር ቀበሌ ዓይነት ውሃ ፍሉይ ሽሙ ካርታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብዝተገበረ ፍተሻ ተታሒዙ፡፡

ምስቲ ገበን ዝተጠርጠረ ኣሽከርካሪ ባጃጅ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ እንትኸውን፥ ካሊእ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ንምውዓል ፖሊስ ክትትል እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብሰላም ኣስመላሽ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.