Fana: At a Speed of Life!

ንክራማት ዝኸውን እታዎት ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወፃእ ዝሸይጥ ኣካል ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ-ሚኒስቴር ግብርና

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዝኸውን እታዎት ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወፃእ ኣብ ልዕሊ ዝሸይጥ ኣካል ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 60 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉን ተወሳኺ ዘበናዊ ዱኽዒ ዝፀዓና መርከባት ናብ ወደብ ጂቡቲ ይበፅሓ ከምዘለዋ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ሶፊያ ካሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን።

ክሳብ ሐዚ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበመናዊ ዱኽዒ ዕድጊት ከምዝተፈፀመ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ምሩፅ ዘርኢ ንምቕራብ ልዑል ትኹረት ከምዘድሊ ብምሕባር፥ እቲ ኣቕርቦት መጠኑ እናወሰኸ እንተኸደ አወን እቲ ድልየት ልዑል ስለ ዝኾነ ምምጥጣን ከምዘይከኣለ ገሊፀን።

ብዙፋን ካሳሁን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.