Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኢታማዦር ሹማት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ክሊ ኣፈፃፅማ “ግዳጅ” ሶማሊያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት 7፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኣብ ግዳጅ “ኣሚሶም” ተሳተፍቲ ዝኾኑ ላዕለዎት ኢታማዦር ሹማት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ክሊ ኣፈፃፅማ ግዳጅ ሶማሊያ ተዛቲዮም።

ነቶም ላዕለዎት ኢታማዦር ሹማት ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ ከምዝኣከብዎም ተገሊፁ።

ዕላማ እቲ ዘተ ምስ ግዳጅ ሶማሊያ ብዝተዛመደ ናይ ሓባር ርድኢት ንምሓዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ሶማሊያ ብዛዕባ ዘሎ ምንቅስቓስ ሓይሊን ንቐፃሊ ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ጉዳይን ብዕምቆት ከምዝተላዘቡ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ይሳለጥ ከምዘሎ ድማ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፥ ላዕለዎት ኢታማዦር ሹማት ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ቡሩንዲን ሶማሊያን ምክትል ላዕለዎት ኢታማዦር ሹም ጅቡቲን ኮማንደር ፎርስ ኣሚሶምን ከምዝተሳተፉ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.