Fana: At a Speed of Life!

ንብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ኣብ ዘዋስን ከባቢ ዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ፃዕሪ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ኣብ ዘዋስን ከባቢ ዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተይኣብፀሐ ንምቁፅፃር ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ኣብ ደኒን እንስሳ ዘገዳምን ኦሮሚያ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ባሌ ኣፍሊጡ።

ተወካሊ መካየዲ ስራሕ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ቀነኣ ዳዲ ንግልጋሎት ዜና ኣገልግሎት ከምዝገለፁዎ፥ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተለዓለ ቃፀሎ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ በርበሬ ፍሉይ ሽሙ “በስመና ኦዶቡሉ” ኢዩ፡፡

ብዘይሕጋዊ ኣፍሐምቲ ፈሓም፣ ቆረፅቲ መዓርን ሳዕሪ ንኽበቁል ለበዳ ሓዊ ብዝገብሩን ውልቀ ሰባት ተደጋጋሚ ቃፀሎ ከምዝፍጠር ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተለዓለ ባርዕ ሓዊ መልዐሊኡ እናተፃረየ ይኹን እምበር፥ ምስ ድርቂ ተተሓሒዙ ንኣለሻ መኖ እንስሳት ናብቲ ዞባ ዝኣተዉ ውልቀ ሰባት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ከምዝግመት ኣይተ ቀነኣ ኣብሪሆም፡፡

የተከሰተው የእሳት ቃጠሎ ወደ ዋናው የፓርኩ ጥቅጥቅ ደን ሳይዛመት ለመከላከል የአካባቢውን ማህበረሰብ በማሳተፍ እየተሰራ መሆኑን ያረጋገጡት ደግሞ የባሌ ተራሮች ብሔራዊ ፓርክ ኃላፊ አቶ ሻሚል ከድር ናቸው

ንብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ኣብ ዘዋስን ከባቢ ዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምስታፍ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.