Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት 5፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ምህዳር ከባቢ መሰረት ዝገበሩ ዓይነታት ዘራእቲ ብስፍሓትን ፅርየትን ንክፈሪዩ ምኽኣል ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ካብ ወፃኢ ዓዲ ንዝኣቱ ፍሪያት ንምትካእን እቶት ንምድንፋዕን ወሳኒ ግደ ኣለዎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ጌራ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ነዚ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ክሊ ከተማን ዞባን ጅማ ኣብ ምልማዕ ዝርከቡ ኩታ ገጠም ሕርሻታት ልምዓት መስኖ ስንዳይን ቡናን ዘተባብዕ ውፅኢት ተረኺቡዎም ኢዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ስነ ምህዳር ከባቢ መሰረት ዝገበሩ ዓይነታት ዘራእቲ ብስፍሓትን ፅርየትን ንክፈሪዩ ምኽኣል ውሕስነት ምግቢ
ንምርግጋፅ፣ ካብ ወፃኢ ዓዲ ንዝኣቱ ፍሪያት ንምትካእን እቶት ንምድንፋዕን ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣብቲ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓዊሱ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ምብራቕ ኣፍረካን ኣብ ውሕመ ዋና ዳይሬክቴር ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካን፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።
ብኣልአዛር ታደለን ሙክታር ጠሃን

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.