Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽን ኣመራርሓን ንካልኣይ ዙር ምዕዋት ወፍሪ ክታበት ኮቪድ 19 ኣድላዪ ምትሕብባር ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽን በቢበርኩ ዘለዉ ኣመራርሓን ካብ 7 ለካቲት 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝካየድ ንካልኣይ ዙር ምዕዋት ወፍሪ ክታበት ኮቪድ 19 ኣድላዪ ምትሕብባር ንክገብሩ ሚኒስቴር ጥዕና ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ሓጋዚ ዳይሬክተር ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትንን ኣተሓባባሪ ክታበትን ኣይተ ዮሐንስ ላቀው፥ ለበዳ ኮቪድ 19 ሐዚ እውን ስግኣት ጥዕና ብምዃኑን ዜጋታት ይሞቱ ስለዘለዉን እቲ ውፍሪ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።
ነቲ ክታበት ዝከወነ ልዕሊ 20 ሚሊየን ዶዝ ንኩሎም ክልላት ከምዝተልኣኸን ሰብ ሞያ ሰልጢኖም ከምዝተዋፈሩን እውን ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ ንባዕሉን ስድርኡን ብምኽታብ እቲ ቭይረስ ካብ ዘብፅሖ ስቓይን ሞትን ንክከላኸል መራኸብቲ ሓፋሽን በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓን ምልዕዓል ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ 10 ሚሊየን ሰባት ክትባት ብምውሳዱ ካብቲ ሕማም ምክልኻል
ከምዝኸኣለ ኣዘኻኺሮም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.