Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኩሎም ግምባራት ኢትዮጵያዊ ሓድነት ሓሊኻን ኣጥቢቕካን ምጉዓዝ ተደማፅነት የረጋግፅ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝበፅሑ ውሽጣዊን ደጋዊን ፅዕንቶታት ብሓድነት ካብ ምምካት ብተወሳኺ ብብሄራዊ ደረጃ ዝተጀመረ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ናይ ምርግጋፅ ፃዕሪ ብሕብረት ምድጋፍ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ዓለም ለኸ ምንቅስቓስ የኣክል” ብምትሕብባር ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝንቀሳቐስ “ግብረ-ሓይሊ ሓድነትን ሰላምን” ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ሓይሊታት ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ምስ ዝርከቡ ጉጅለታት ጥምረት ብምፍጣር ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኣብ ዝትፈላለዩ ግምባራት ዝኸፍአ ጥፍኣት ብምፍፃምን ጥንኩር ፅዕንቶን ብምፍጣ ሉኣላውነት ሃገር ዝፈታተኑ ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ሓይሊታት ወፃኢ ዝወስዱዎ ፍትሓውነት ዝጎደሎም ስጉምቲታት ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ኣዚዮም ከምዝፈተኑ ብምሕባር፤ ደጋዊ ፅዕንቶታት ናይ ምምካት ልኡኽቶ ባዕሉ ዝኸኣለ ፈታኒ ግምባር ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ደጋዊ ፅንቶታት ኣብ ዝምከተሉ ግምባር ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ብመምርሒ ምንቅስቓስ “የኣክል” ኣብ ኣደባባይ ዓለም ንሃገሮም ፍትሒ ብምእላሽ ድምፆም ከማዘጋውሑ ገሊፆም።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምንቅስቓስ የኣክል ብምትሕብባርን ብምምራሕን ኣመራርሓታትን ኣባላትን ግብረ ሓይሊ ሰላምን ሓድነትን ታሪኻዊ ወፍሪ ኣካል ብምዃን ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።

“ኣብ ኩሎም ግምባራት ኢትዮጵያዊ ሓድነት ሓሊኻን ኣጥቢቕካን ምጉዓዝ ተደማፅነት ካብ ምርግጋፁ ብተወሳኺ ትርጉም ዘለዎ ዓወት ንምምዝጋብ ከምዝሕግዝ ቀዋሚ ግንዛበ ክውሰደሉ ይግባእ” ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.