Fana: At a Speed of Life!

ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተበገሱ ዕጡቓት ዓሌት ሙርሌ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጋምቤላ ጥቕዓት ፈፂሞም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ) ኣብ ጋምቤላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተበገሱ ዕጡቓት ዓሌት ሙርሌ ዶብ ጥሒሶም ብምእታው ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዲማን ወረዳ ጎግን ጥቕዓት ከምዝፈፀሙ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኡገቱ ኣዲንግ ከምዝገለፁዎ፥ በቲ መጥቃዕቲ ህይወት ሓደ ሰብ እንትሓልፍ ክልተ ሰባት ቆሲሎም ሰለስተ ህፃናት ድማ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኢዮም።

እቲ ክልል ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዋሰኖ ዶብ ሰፊሕን ክፍቲን ስለዝኾነ ዕጡቓት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እናብፅሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ጎግ ካብ ከተማ ፑኝዶ ናብ ቀበሌ ቴዶ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐስ ሞተር ሳይክል ብዘብፅዎ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተዛሪቦም።

ጥቕዓት ዝፈፀሙ ውልቀ ሰባት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን እቲ ክልል ተኸታቲሎም ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ጥንኩር ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብር ምሕታቶም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.