Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምፅዋር ድርቂን ምምሕያሽ ዘላቒ ናብራ ሰበኽ ሳግምን ዘድሀበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮግራም ዘላቒ ምምሕያሽ ናብራ ሰበኽ ሳግምን ምፅዋር ድርቂን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ገምጋም ኣፈጻፅማ 6 ወርሒ ተኻይዱ።

መተሓባበሪ እቲ ፕሮግራም ኣይተ ጀማል ኣሊዪ፥ ፍርያትን ፍርያታውነትን ከምኡ እውን ሜላ ኣነባብራ ሰበኽ ሳግም ምድንፋዕ ቀንዲ ዕላማ እቲ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ መደብ ማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ድርቂ ካብ ዘምፀኦ ፅዕንቶ ምክልኻልን ኣብ ዝናብ ዘለዎ ፅዕተኛነት ብምንካይ ኣብ ፍርያታውነት ሃፍቲ እንስሳት ንኽኸውን ምግባር ከምዘድሊ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኣተሓሕዛ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ተበፃሕነት ንግዲ ዕዳጋ፣ ሓገዝ መመሓየሺ ናብራ ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሰብኣዊን ትካላዊን ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.