Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ምምሕልላፉ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዮናስ ዘውዴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ንህንፀት ማእኸል ባህሊ ቻይና ዝቐረበ ሕቶ ካቢኔ እታ ከተማ ከምዘፅደቖ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ 6 ሺሕ ካሬ ሜትሮ ንመሃብ ወሲኑ ኢሎም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝህሉ ርክብ ባህሊ፣ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሮ ኣብሪሆም፡፡

ብተመሳሳሊ ብመንግስቲ ቻይና ደገፍ ገንዘብ ዝህነፅ ማእኸል ሰሪሕኻ መርኣዪ ቀርካሃ ኣፍሪካ ሕቶ እውን ምላሽ ረኺቡ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ካቢኔ ውሳነ ካብ መንጎ ዝሃበሎም ጉዳያት ውዕል ሊዝ 13 ሃገራት ኣፍሪካ ምስራዙ እወን ኣይተ ዮናስ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ብኻሊእ መዳይ መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንክዛዘም ልዑል ግደ ንዝተዋፅአ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ምምሕዳር እታ ከተማ ምስጋንኡ ከምዘቕረበ ተዛሪቦም።

ብሃይማኖት ኢያሱ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.