Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ናይጄሪያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ናይጄሪያ ተዛቲዮም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ካብ ዝተዋደደ ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ልምዲ ንምውሳድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣይተ መላኩ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኡ ካብ ሕርሻ ናብ መሪሕ ኢንዱስትሪ ንምስግጋር ይሰርሕ ኣሎ።

እቲ ትልሚ ንምዕዋት ድማ ኣርባዕተ ዝተዋደዱ ፓርክታት ኣግሮ ኢንዱስትሪ ንተግባር ፈተነ ተሃኒፆም ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም ሰለስተ ተመሪቖም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ታሪኻዊን ኢኮኖሚያዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብዚ ንላዕሊ ምምሕያሽ ከምዝግባእ ገሊፆም።

መራሒ እቲ ጉጅለ ልኡኽን ሚኒሰስትር ሕርሻን እታ ሃገር ዶክተር ሞሃመድ ማሕሙድ ኣቡበከር ብግደኦም፥ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ብምንኣድ ኣፍሪካ መሊኡ ዝፈሰሰን ዘይተነኽአ ሃፍቲን ከምዘለዋ ዘይከሓድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቀፃሊ መዓልቲታት ፓርኪታት ኣግሮ ኢንዱስትሪ ቡልቡላን ይርጋለምን ዑደት ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.