Fana: At a Speed of Life!

ብኲናትን ጎንፂን ዝዓነዉን ዝተጎድኡን ኣብያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምፅጋንን ብርኪ ፅሬት ኣቢያተ ትምህርቲ ንምምሕያሽን ልዕሊ 100 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናትን ብዝተፈላለዩ ጎንፂን ዝዓነዉን ዝተጎድኡን ኣብያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምፅጋንን ብርኪ ፅሬት ኣብያተ ትምህርቲ ንምሕላውን ልዕሊ 100 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ንቀዋሚ ኮሚቴ ልምዓት ሓይሊሰብን ጉዳያት ቴክኖሎጂን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣቕሪቡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርህኑ ነጋ፥ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ልዑል ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ገሊፆም።

እቲ ፀገም ብዓቕሚ ሚኒስቴር ትምህርቲ ጥራሕ ዝፍታሕ ከምዘይኾነ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ 1 ሺሕን 200 ኣብያተ ትምህርቲ ብኲናትን ዝተፈላለዩ ጎንፂታትን ከምዝዓነዉ ብምግላፅ፥ ልዕሊ 5 ሺሕ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ከምዝተዓፀዉ ገሊፆም።

ብምኽኒያት እዚ ኣስታት 3 ሚሊየን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ልዕሊ 150 ሺሕ መምህራን ድማ ካብ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ወፃእ ኮይኖም ኢሎም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.