Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ንሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ብምስዓር ናብ ፍጻመ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ብፍፁም ቅላዕ 3 ን 1 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ፀወታ ሓሊፋ።

ኣብቲ ፀወታ ኣብ ስሩዕ ሰዓትን ተወሳኺ ሰዓትን ባዶ ንባዶ ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ናብ ፍፀም ቅላዕ ኣምሪሐን ግብፂ ክትዕወት ክኢላ።

ካሜሮን ካብ ዝወቕዐተን 4 ፍፁም ቅላዓት ሓንቲ ሸቶ ጥራሕ እንትተመዝግብ፥ ግብፂ ብግደኣ ካብ ዝወቕዐተን ሰለስተ ሽቶታት ኩለን ብምምዝጋብ ናብ ፍፃመ ፀወታ ሓሊፋ ኣላ።

ብመሰረት እዚ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋልን ግብፂን መፃኢ ሰንበት ንፅዋዕ ክጋጠማ ኢየን።

ኣሰናዳኢት እቲ ውድድር ካሜሮን ቀዳም ንደረጃ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ክትራኸብ ኢያ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.