Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ዝጀመረ መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ እውን ቀፂሉ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ዝጀመረ መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ እውን ቀፂሉ ውዒሉ።

ብብርኪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ይካየድ ምስ ዘሎ ዘተ ጎኒ ንጎኒ ክልቲኣዊ ዘተ ይፍፀሙ ከምዘለዉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ሕብረት ሕማም ኣፍሪካ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ማእኸል ዘለዎ ብርኪ ዝተላዘቡ እንትኾኑ፥ ኣፍሪካ ኣተኣማማኒ በጀት ሃሊዩዎ ዓውዲ ጥዕና ግድነት ዘመናዊ ምግባር ይግበኦ ከምዝተብሃለ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተረፈ እዋን ዘትኡ ቀፃሊ ዕለተ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዝካየድ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝቀርቡ ረቀቕቲ ኣጀንዳታት ከምዝላዘብ ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም።

ምስቲ ዘተ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዝተገበሩ ክልቲኣዊ ዘተታት መክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሞሮኮ፣ ቱኒዚያን ኮሞሮስን ከምዝተላዘቡ ገሊፆም።

ብበርናባስ ተስፋዬ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.