Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምድጋፍ ንከባቢያዊ ለውጢ ኣየር ምቅላስ የድሊ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምድጋፍ ንከባቢያዊ ለውጢ ኣየር ምቅላስ ከምዘድሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ኣቢይ ኣሕመድ ኣቢይ ኣሕመድን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ዘካተተ ጉጅለ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ኣብ ዞባ በረና ወረዳ ያቤሎ ብድርቂ ዝተጎድኡ ክፋላት ማሕረሰብ ዘለዉዎም ፀገማት ብዕምቆት ንምግምጋም ዑደት ኣካይዱ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ “ቀርኒ ኣፍሪካ ምስ ልዑል ድርቂ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን ከም ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረናን ዝበሉ ከባቢታት ጉድኣት በፂሑዎም ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምድጋፍ ንከባቢያዊ ለውጢ ኣየር ምቅላስ የድሊ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይ ማእኸላይ እዋን ፕሮጀክት ልምዓት ማይ ድማ ፀገማት እንተይተፈጠሩ መፍትሒ ንምምፃእ ከምዘኽእሉ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.